이 사이트는 cookies을(를) 사용합니다. 이 웹사이트를 계속 사용하면 쿠키 사용에 대한 정책에 동의하는 것으로 간주됩니다.

스마트폰에 무료 Online Radio Box 앱을 설치하고 좋아하는 라디오 방송을 온라인으로 어디서든 들어보세요!

×
좋아요 ? 즐겨찾기에 저장하세요
×
좋아요 ? 리뷰를 남겨주세요
×
×
우크라이나와 함께하세요. 세상의 평화를 지키세요!

Forum Radio

평점: 0.0 리뷰: 0
መድረኽ ብውሑዳት ተመሳሳሊ ተመኵሮ ዘሎዎም ግዱሳት ዜጋታት ብ2013 ዝተጀመረ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እዩ። መድረኽ መጀመርያ እቲ ሓያልን ድኹምን ጎድኒታት ናይ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ንምንዋሕ ምልኪ ዝደርኹ ናይ ውሽጥን ግዳምን ረቛሓታት እዩ ገምጊሙ። ኣብቲ ገምጋም ተመርኵሱ ድማ ንኹሉ ተቓዋሚ ዝጠምር ዝተሓተ ፖለቲካዊ ባይታ ኣለልዩ። ኣብ ሃገርና ብሰላም ለውጢ ንምምጻእ ዘቃላጥፍ ቅርጽን ትሕዝቶን ኣዳልዩ ድማ ንስራሕ ተበጊሱ። 더 보기
1 0

Forum Radio 리뷰

라디오 정보

እቲ ዝተሓተ ጠማሪ ፖለቲካዊ ባይታ፡ “`ነዚ ንሃገርና ብሒቱ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣሊና፡ ኩሉ ዜጋ ብሰላም ዝነብረላ፡ መሰል ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ዝኸብረላ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገር ብነጻ ዝሳተፈላ፡ ብቅዋማዊ መንግስቲ እትመሓደር ኤርትራ ምቛም` ማለት`ዩ። ስልጣን ካብ ኢድ ውሑዳት ተመንጢሉ ንህዝቢ ምርካብ ቀዳማይ ዕላማ ናይ ኩሉ ንለውጢ ዝቃለስ ኤርትራዊ ውድብ ይኹን ወልቀ-ሰብ ስለ ዝዀነ።

ዕማማት መድረኽ

መድረኽ ነዚ መስርሕ ናይ ለውጢ ንምቅልጣፍ ሓንጺጽዎ ዘሎ ዕማማት፡

ነቶም ድሮ ኣብ ስደት ንቃልሲ ተዋፊሮም ንነዊሕ ዝተመኰሩ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ተጣበቕቲ መሰል-ደቂሰብን፡ ወላ ውን ውልቀ-ሰባት ብምርኻብ ኣብቲ ኩላትና እንራኸበሉ ዝተሓተ ፖለቲካዊ መኣዲ ምስታፍ፡
ነቶም ብዕላማ ዘይፈላለዩ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዘለዉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ከም ሓደ ኣካል ኪቃለሱ ምልጋብ፡
ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቃወሙ ዘለዉ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ብምስጢር ብምርኻብ ከድምዕ ኣብ መወዳእታ ድማ መሪሕ ተራ ንኪጻወት ምድጋፍ
ውዳበን መስርሕ ቃልስን መድረኽ

መድረኽ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ስለዚ መድረኽ፡ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣይኰነን፡ ነዚ ስርዓት ኣሊኻ ብመድረኽ ንምትካእ ውን ዕላማ የብሉን። ብሓጺሩ መድርኽ ኣብ ውድድር ስልጣን ንምእታው ዘይኰነስ፡ መሳለጢ ለውጢ ኮይኑ ነቶም ኣብ ሓደ ዕላማ ዘለዉ ግን ፋሕ ኢሎም ከድምዑ ዘይከኣሉ ሓይልታት፡ ኣብቲ ንኩላትና ዝጠምር ፖለቲካዊ ዕላማ ንምዕሳል ዝዓለመ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ`ዩ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝገብሮ ድማ መድረኽ ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓባራዊ ፖለቲካዊ መሰል (ፖለቲካዊ መርገጺ ነይ ዝኾነ ወገን ብዘየገድስ) ስለዝቃለስ’ዩ።

እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ካብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ፍሉይ ይገብሮ። ፖለቲካዊ ሰልፊ ነቲ ዝኣምነሉ ፖለቲካዊ መስመር ንምዕዋት እሞ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ፡ እቲ እንኮን ቀንድን ዕላማኡ ጌሩ ዝሰርሕ እዩ። እቶም ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝነጥፉ ዜጋታት ውልቃዊ ፖለቲካዊ መኽሰብ የብሎምን። ጻማ ድኻሞም ድማ ንሳቶም ስልጣን ኪጭብጡ ዘይኰነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስልጣን ጨቢጡ ምርኣይ ጥራሕ ዩ።

መድረኽ ንመስርሕ ቃልሲ ኣብ ክልተ ደረጃታት ይኸፍሎ። ኣብቲ ቀዳማይ ደረጃ ኩላትና ተቓወምቲ ተጠሚርና ነዚ ስርዓት ብምምካት፡ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ዝሳትፈሉ ፖለቲካዊ ባይታ ንምንጻፍ ክንሰርሕ፤ እዚ ምስ ተረጋገጸ ጥራይ ኣብቲ ካልኣይ ደረጃ ማለት ኩሉ ኤርትራዊ በቲ ዝኣምነሉ ፖለቲካዊ ዕላማ ኪቃለስ መሰሉ ኪሕሎ ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ውሳኔ ዝበዝሕ ህዝቢ ኪቕየድ ከም ዘለዎ ይኣምን።

ሕመረት መትከላት መድረኽ፡

ህዝብና ካብ ቀጻሊ ስቅያትን ዕንወትን ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ንምግልጋል ብሰላም ለውጢ ምምጻእ ዘየላቡ ሓደራ ኩሉ ዜጋ ኢዩ።
ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ተሓታቲ ናይዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ጉዳኣት ኢዩ።
ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣብዚ ህዝብን ሃገርን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ዝካየድ ቃልሲ እንተተሳቲፎም ቅቡላት ይዀኑ።
ለውጢ በቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ለውጢ ንምምጻእ ዝተወፈዩ ባእታታት እናተመርሐ፣ ካብ ውሽጢ ሃገር እዩ ዝመጽእ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ ለውጢ ንምጽላው ብቐጥታ ክዋሳእ ንዝህቅን ዝኾነ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ድማ ንነጽግ።
ሓባራዊ ምዕባለ ከምኡ ‘ውን ነባሪ ሰላም ንምቅልጣፍ፣ ኣብ ዞባ ኢጋድ፣ ናብ ዞባዊ ውህደት ዘምርሕ ጥቡቕ ምትሕግጋዝ ንኽህሉ ንጽዕር።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርጉእ ሰላም ንምስፋንን፣ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብኮምሽን እጀታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወሰነ ብይን ብዘይቅድመ ኩነት ከተተግብሮ፣ ክልተኣዊ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ እጃማ ክትገብር ኣለዋ ኢልና ንኣምንን ምእንትኡ ንጽዕርን።

ሕመረት ስነ-ምግባርና፡

ተጻዋርነት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ፍልልይ ኪህሉ ግድን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣድላዪ ኢዩ። መኽንያቱ ንኹላትና ዝጠምር፡ ደሌትን ባህግን ኩሉ ዜጋ ዘማልእ ፖለቲካዊ መሰመር ስለ ዘየለ። ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ‘ሓደ ፖለቲካዊ ሓቂ፡ ሓደ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ ሓደ ልቢ’ እናተባህለ፡ ንኹሉ ተቓውሞታት ወይ ፍሉይ ርእይቶ ምድሃኽ ኣማራጺ ዘይብሉ ምዃኑ ተነጊሩና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ግዳይ ናይዚ ጸቢብ ናይ ምልካውያን ስልቲ ኰንና ኢና። ነዚ ዝተቓወመ ኩሉ ድማ ‘ከዳዕ’ ተባሂሉ ኩሉ መሰል ዜግነቱ ተሓሪሙን፡ ተዳጕኑን፡ ተገሪፉን ተቐቲሉን ኢዩ። ቃልስና እምበኣር፡ ፍልልያት ብምጽዋር፡ ኩላትና ኤርትራያን ነቲ ዝመርጽናዮ ፖለትካዊ ዕላማ ኪንቃለሰሉ መሰልና ምዃኑ ንኣምን፡ ነዚ ናይ ህዝቢ መሰል ድማ ንጣበቐሉ። ስለዚ ተጻዋርነት ከም መዓቀኒ ፖለቲካዊ ብስለትናን፡ ጥምረት ህዝብናን ንሰርሓሉ።

ምክብባር፡ ኤርትራዊ ዜግነት እቲ ዝኸበረ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተዋሕሰ ክብሪ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዝለዓለ ጠማሪ ሓድነትና ኢዩ። እቲ ዝስዕብ ፍልልያት ኣብ ትሕቲ እዚ ጠማሪ ረቛሒ ኪርአ እንከሎ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ኢዩ። ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣረእያ ዘለዎ ሰብ ተቓዋሚ ደኣምበር ጸላኢ ኣይኰነን፡ ኣፍቃሪ ሃገር ደኣምበር ጸላኢ ኣይኰነን። ስለዚ ተቓውምቲ ፖለቲካዊ ዕላማኦም ብዘየገድስ ክቡራት ኤርትራውያን ምዃኖም ንኣምን። እቲ ኣብ ፖለቲካ ህግደፍ ዝዝውተር ዘራጊ ባህሊ፡ ማለት ምቍንጻብ፡ ምዝላፍ፡ ምንኣኣስ ዝበለየ ድሑር ጐጃጃሊ ስልቲ ድማ ንቃወሞ። ኤርትራ ክብርቲ ዝገብራ፡ ኩሉ ኤርትራዊ እንተኸቢሩ ጥራሕ ኢዩ።

ንቕድሚት ምጥማት: ሕሉፍ ታሪኽ መምሃሪ ኢዩ። ንድሕሪት ጥራሕ ምጥማት ስለዘየሰጉም፡ ምስ ጊዜ ዝኸይድ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ኪንትልም ኣሎና። ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እንተላይ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልስና ዘኹርዕ ኢዩ። ምውሓስ ነጻ ሃገር፡ እቲ ዝተኸፍለ መስዋእትን፡ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ሕልኽልኽን፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበን ንታሕቲ ዘንቍልቍለ ፖለትካዊ ጕዕዞ ንብዘየግድስ፡ መዋዳድርቲ ዘይብሉ ጻማ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ካብቲ ናቱ ጽቡቕን ሕማቅን ተማሂርና ድማ ናብ ጽቡቑ ርዒምና ንሕማቑ ከሊእና ንቕድሚት ኪንስጉም ኣሎና።

መደምደምታ

ተበግሶ መድረኽ ድምር ናይቲ ኩሉ ዝተኻየደ ቃልሲ ዝፈጠሮ፡ ድሌት ኩሉ ዜጋ ዘንቀሎ ደኣምበር ናይ ውልቀ-ሰባት ተበግሶ ኣይኰነን። መዓልቱ ስለዝኣኸለ ፡ ኩላትና ድማ ኣብ ቃልሲ ስለ ዝለበምና እቲ ዘራኽበና ካብቲ ዝፈላልየና ከም ዝረጕድ ተረዲእና ኣሎና። ስለዚ ትጽቢትን ሓደራን ናይ ኩሉ ህዝብና ስለ ዝዀነ ኣብ ደረት ከነብጽሖ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ዜጋ ኢዩ።

라디오 연락처

사이트:

아스마라의 현재 시각: 00:26, 12.09.2025

무료 Online Radio Box 애플리케이션를 스마트폰에 설치하고 언제 어디서나 좋아하는 라디오 방송을 온라인으로 청취하세요!